#FactCheck ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣመራርሕ ህወሓት "ደጀን ሻዕብያ ተኣማሚኑ" ኣይበለን
ርእሰ ምምሕዳር ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ብደብረጽዮን ዝምራሕ ጉጅለ ሻዕብያ ደጀን ክኾነና እዩ ኢሎም ብምእማን ዘካይዱዎ ዘለው ጉባኤ ናብ ዘይኮነ ጸገም ከየእትወና ይሰግእ" ኢሉ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ከም ዘሎ ተዓዚብና።
ኣቶ ጌታቸው ሎሚ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ማዕከናት ዜና ኣብ ዙርያ እዋናዊ ኩነታት እቲ ክልልን ጉባኤ ህወሓትን መብርሂ ከም ዝሃበ ይፍለጥ።
ብፍላይ ካብቲ ንርእሱ ዘግለሉ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ ብደብረጽዮን ዝምራሕ "ጉጅለ" ብምባል ዝገለጾ መሪሕነት ህወሓት ምስ "ሻዕብያ" ይሰርሕ ኣሎ ግን ኣይበለን።
"ደጀን ክኾነና እዩ፤ ክሕግዘና እዩ ዝበሉዎ መንነቱ ዘይተፈልጠ ግዳማዊ ሓይሊ ተኣማሚኖም ኣርባዕተ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ክካየድ ዝወሰኑዎ ጉባኤ ናብ ዘይተደለየ ጸገም ከእተወና እዩ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ህወሓት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ከም ሓድሽ ብምምዝጋብ ዝሃቦ ኣፍልጦ ኣይቕበልን ብምባሉ እቲ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎ ጉባኤ በቲ ቦርድ ቅቡልነት ኣይረኸበን።
ህወሓት ኣብቲ ጉባኤ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ኣብቲ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ውልቀሰባት ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ከም ዘልዓሎም ኣፍሊጡ እዩ።
ኢትዮጵያ ቼክ
@EthiopiaCheck
Обсуждение 0
Обсуждение не доступно в веб-версии. Чтобы написать комментарий, перейдите в приложение Telegram.
Обсудить в Telegram